ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ብዛዕባ AchSo! App 

 

ብሓፈሻ 

  • AchSo!-App  እንታይ እዩ? 

AchSo!-App ንናይ ስደት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ዲጂታላዊ ሓበሬታን ናይ ትምህርትን ዕድል እዩ። ብቋንቋታት ጀርመን፡ ዓረብ፡ ፋርስ/ዳር፡ ትግርኛ፡ ባህላዊ፡  

እቲ ኣፕ ንባህሊ ጀርመን፡ ፖለቲካን ታሪኽን ዝገልጽ እዩ። 
ትምህርቲ ዘዘናግዕ እዩ፣ ባዕልኻ ድማ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። 
ናይ ትምህርቲ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ሓጸርቲ ቪድዮታትን ንመዓልታዊ ህይወት ዝሕግዙ ምኽርታትን ብጸወታን ይግልጽ። 

  • እቲ ኣፕ ንመን ይጠቅም? 

እቲ ኣፕ ንሓደስቲ ሰባት ናብ ጀርመን  ዝመጹ ዝተዳለወ እዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ 14 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዘተኲረ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣፕ ልዕሊ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት እውን ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ስራሕ ምስ መንእሰያት ስደተኛታት ዝሰርሑ ሰብ ሞያ እውን ነቲ ኣፕ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም ። 

  • ብምንታይ ቋንቋታት እዩ እቲ AchSo!-App? 

AchSo!-App ብቋንቋታት ጀርመን፡ ዓረብ፡ ፋርስ/ዳሪ፡ ዩክሬንን ትግርኛን እዩ። 

  • ገሊኡ ትሕዝቶታት ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዚፈላለ ስለምንታይ እዩ? 

ክፍልታት ናይቲ ኣፕ ብኹሉ ቋንቋታት ዳርጋ ሓደ ዓይነት እየን። 
እቲ ኣፕ ብቐሊሉ ንምርዳእ፡ ኣብተን ክፍልታት ዘለዉ ኣብነታት በብቋንቋኦም ንዝዛረቡ ሰባት ተመዓራሪዮም ኣለዉ። 

  • ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ኣፕ ሕቶታት ክትሓትት እትኽእለሉ መንገዲ ኣሎ ድዩ?    

ናይ ቻት ኣገልግሎት መልእኽቲ ንተጠቀምቲ ይሕግዝ። 
ኣብኡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 
እቶም ሕቶታት ምስቲ ኣብቲ ኣፕ ዘለዉ ኣርእስታት ዝተኣሳሰሩ እዮም። 
ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረብ ጉጅለ ባህልታት ዘኽብር ​​ነቶም ሕቶታት ይምልሶም። 
እታ ጋንታ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ትዛረብ። 
ኩሎም ሕቶታት ድማ ብሚስጢራዊ ኣገባብ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለና።   

  •  AchSo!-App ንምጥቃም ክፍሊት ኣለዎ ድዩ? 

AchSo!-App ምጥቃም  ምሉእ ብምሉእ ነጻ እዩ።

  • ካብ ክንደይ ዕድመ ጀሚርካ ነቲ AchSo-App ክትጥቀመሉ ትኽእል?

እቲ ኣፕ ብውሑዱ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ጥራይ እዩ ክጥቀመሉ ዝኽእሉ። 

ክኢላታት ሰራሕተኛታት 

  • ኣነ ሰራሕተኛ ስደትን ውህደትን ስለ ዝኾንኩ ኣብ መዓልታዊ ስራሐይ ነታ ኣፕ ክጥቀመላ ደስ ምበለኒ ኔሩ። እንታይ ክገብር ኣለኒ? 

ንሰብ ሞያ ከመይ ጌርካ ነቲ ኣፕ ከም እትጥቀመሉ ዝገልጽ ሕግታት ዘለዎ መጽሓፍ ኣድሊና ኣለና። እቲ ሕግታት ዘለዎ መጽሓፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ https://www.achsoapp.de/material/handbuch/  ። ብተወሳኺ ኣፕ ዝምልከት  ነጻ  ናይ ሓበሬታ ኣኼባታት ንህብ ኢና። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ክትጽሕፉልናን ክትድውሉልናን ትኽእሉ ኢኹም!  

  • ከመይ ጌረ ነቲ  AchSo!-App  ብዝበለጸ ከም ዝጥቀመሉ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ ይኽእል? 

ክትጽሕፉልናን ክትድውሉልናን ትኽእሉ ኢኹም! ንዝኾነ ሰብ ንኣችሶ ክጥቀመሉ ዝደሊ ስልጠናን ሓበሬታን ንህብ፡ እቲ ኣፕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ደረጃ ብደረጃ ንገልጽ። 

ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክትጥቀመሉ እትኽእል ንዋት እውን ኣሎ። 
እዞም ንዋት ኣብዚ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኣብነት፡ https://www.achsoapp.de/material/didaktisches-material/ 

ናይ ተመኩሮ ኣኼባ እውን ነካይድ ኢና። 
እዚ ናይ ተመኩሮ ኣኼባ  ካባኹምን ካብ ተመኩሮኹምን ንምምሃር ዝዳለው ኣኼባ  እዩ። ዝቕጽል ናይ ተመኩሮ ኣኼባክካየድ እዩ። 

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ https://www.achsoapp.de/fachtag-2025/. ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።  ብተወሳኺ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ብኢመይል ሓበሬታ ክትረኽቡ፡ ዝኾነ ፍጻመታት ወይ መደብ ከይሓልፈኩም ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም። 

  • ከመይ ጌረ ምስ ጉጅለ AchSo!-App ክራኸብ ይኽእል?  

ኣብ ዝኾነ እዋን ብመንገዲ እቲ ኣብ AchSo!-Ap ዘሎ ቻት ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም! ብተወሳኺ ስክፍታታትኩም ብኢመይል achso@drudel11.de ክትሰዱልና ትኽእሉ ኢኹም። ሰራሕተኛታትናን ናይ ድሰርሕሉ ዓውዲን ኣብ መርበብ ሓበሬታና ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፡ https://www.achsoapp.de/uber-uns/   

 

ቴክኒካዊ ሕቶታት 

  • ስለምንታይ እየ ገለ ትሕዝቶ ካብ AchSo!-App ከውርድ (ዳውንሎድ ክገብሮ) ዘለኒ? 

ኩሉ ትሕዝቶታት ብሓንሳብ ናብ ስልክኻ እንተ ኣውሪድካዮ፡ እቲ ኣፕ ብዙሕ መኽዘን ቦታ ክወስድ እዩ። ካብቲ መኽዘንካ ብዙሕ ንኸይውድ ኣልካ፡ ኣብ እዋን ልምምዳት ኣየናይ ትሕዝቶ ከም ዘድልየካን ከተውርድ ከም እትደልን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።   

 

ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ (ምክልኻል ውልቃዊ ሓበሬታ) 

  • ነቲ ኣፕ ስመይ ከይገለጽኩ ክጥቀመሉ ይኽእል ድየ? 

ኣብ እትምዝገበሉ እዋን ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣየድልን እዩ። እቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ናይ መን ምዃኑ ዝፈልጥ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ውልቃዊ ሓበሬታ ኹም ንምሕላው ድማ ውሕስነት ንህብ። እቲ ክትኣቱ ከለኻ ዝመረጽካዮ ስም ጥራይ ኢና ንጥቀም። 

  • እንታይ ውልቃዊ ሓበሬታ ን  ንምንታይ ዕላማን ኢና ንእክብ? 

ኣካውንትኩም ንምኽፋትን ኣገልግሎትና ንምሃብን ጥራይ እዩ ናይ ኣካውንትኩም ሓበሬታ ዘድልየና። 

ነቲ ኣፕ ክትጥቀመሉ ከለኻ ዝኾነ ሰብ ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣይርእን እዩ። 

  • ምክትታል (Tracking)  እንታይ እዩ እቲ ኣፕ እንታይ ውልቃዊ ሓበሬታ ይእክብ   

ኣብቲ ኣፕ ምክትታል እንተትፈቅድ ምተሓጎስና። እዚ ድማ ኣየኖት ክፋላት ናይቲ ኣፕ ብተደጋጋሚ ከም እትጥቀምን ነቲ ኣፕ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉን ክንፈልጥ የኽእለናን  ብተወሳኺ ድማ  ብቐጻሊ ነቲ ኣፕ ንምምሕያሽ የኽእለና። ዋላ ኣብቲ ኣፕ  ምክትታል እንተፈቐድካ መን ሙኻንካ ኣይረኣይን እዩ። 

 

  • ውዕላት ኣጠቓቕማን ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታን ኣበይ ክረኽቦ ይኽእል?

ኣብ AchSo! App Datenschutz | Drudel 11 e.V. Deutschland. ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም!  

 

ርክብ 

  • ከመይ ጌረ ምስ ሰራሕተኛታት AchSo!-App  ክራኸብ ይኽእል፦ 

ናብ ዝተፈላለዩ ክፍልታትና ብኢመይል ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ  https://www.achsoapp.de/uber-uns/     ተወከሱና 

ብተወሳኺ ብቑጽሪ ስልኪ 03641/9293620 ብምድዋል ሕቶኹም ኣካፍሉና፣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ንምፍታሕ ድሉዋት ኢና።